ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሰጋገረ ተንኮልን ግፍዕን ገዛእቲ ማእኸል ሃገር ከምዘሎ እናሃለወ፤ ብኣንፃሩ ተጋሩን ትግራይን ግና ንዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር መስረትን ሰረትን ብምዃን ዓቐን ዘይብሎም ብዙሓት ኣበርክቶታት ወፊና ኢና፡፡
-
ህዝብን መሬትን ትግራይ ንምፍጣር፣ ህልውና፣ ናፅነት፣ ሓድነትን ሉኣላውነትን እዛ ሃገር ልዕሊ ማንም ዜጋ ህይወቱን ሃብትታቱን ቅርስታቱን ኸፊሉ እዩ፤
-
ህዝብን መሬትን ትግራይ መበቆልን ወናኒን ኩርዓት ኩላትናን ኣብ ዓለም ተደለይትን ተደነቕትን ዝኾኑ ጥንታዊ ሓድግታት እዩ፡፡ ስርዓተ መንግስቲ ዝመስረተ፣ ወናኒ ውቕር ገዳማትን ሓውልትታትን፣ እዳፅላተ ሙሴ፣ መስጊድ ኣልነጃሺ፣ ቆፂርካ ዘይውዳእ ጥንታዊ መፃሕፍትን ፅላታትን፣ እዳ ፈጠራን ጥበባትን እዩ፤
-
ህዝብን መሬትን ትግራይ መበቆል ኩሎም ሃይማኖታት፣ ያሬዳዊ ዜማ፣ ፊደል፣ ፍትሒ፣ ኣቆፃፅራ ማዕልትን ዘበንን፣ ዝተፋላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ኣከባብራታት (ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ ጥምቀት፣ ሓይራ፣ ወዘተ…) ዝተፈላለዩ ኣእኻል (ጣፍ፣ ስርናይ፣ ስገም፣ ደምሀይ፣ ወዘተ…) እዩ፤
-
ንመግዛእትን ግፍዕን ኣይምብርከኽን እምብለይ በሃላይነትን (ኵናት ዶግዓሊ፣ ሰሓጢ፣ ጉራዕ፣ ጉንደት፣ ኩፊት፣ መተማ፣ ዓድዋ፣ ሃርበኝነት ወራር ጥልያን፣ ቀዳማይ ወያነ፣ ካልኣይ ወያነ)፤
-
መሰል ብሄረ ብሄረሰባት ኣብ ምኽባርን ፌደራላዊ ህገመንግስታዊ ስርዓት ብማዕርነት ክህነፅ ምግባርን፤
-
ንዛ ሃገር ካብ ዝነበረትሉ ድከት ኣውፂእኻ ንዓለም ዘስደመመ ምዕባለን ዕብየትን ምምዝጋብ፤
-
ጅግንነት፣ ቅንዕና፣ ፍትሓዊነትን ብሱል ኣመራርሓን ዘይነፅፍ መለለዪ ተጋሩ እዩ፤
-
ከምእኒ ዘርኣያዕቆብ ዝበሉ ፈላስፋታት፣ ደቂቀ እስጢፋኖስያውያን ዝቦቐሉላ፣ ዓዲ እምነትን ተኣማኒነትን እያ ትግራይ፤
-
ሐዚ እውን ፍትሓዊ ንዘይኮነ ምድማር ንዝብሃል ላጊፅ ምንፃግ፤ ወዘተርፈ…… ትግራይ ዓደይ፤ ንሕና ተጋሩ እዙይን ክንዲ’ዙይን ብዙሓት መግለፂ ትግራዋይ መንነት ዝኾኑ ፀጋታት ሃፍትታትን ክብርታትን ዘለና ህዝቢ ኢና፡፡ ካልኦት ኣብ ከባቢና ዘለዉ ህዝብታት ግና ቅንጣብ ናይዙ የብሎምን!
ኣብ’ዛ ሃገር መወዳድርቲ ትግራይ የለን፤ ትግራዋይ ንኹሎም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ገዲፉ ርሒቑ ዝኸደ ስልጡን ህዝቢ እዩ፡፡ ንሕና ከምብሄር መንነትና ኣደልዲልና ዘመናት ኣሕሊፍና ኢና፡፡ ብምዃኑ እውን እዩ ተመሳሳሊ ስነልቦናዊ ኣተሓሳስባ፣ ፍቕሪ ዓድን ህዝብን ስርዓትን ዘለና፡፡ ኣብ ዝኾነ ጫፍ ዓለም ይሃሉ ኣብዝሓ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ዓዱ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ፍቕርን ድልውነትን ሓደን ሓደን እዩ! ካልኦት ግና ከምኡ ኣይኮኑን!
እዙ ልዑል ክቡር መንነትና፤ ዕዙዝ ታሪኽ፤ ፀጋታትናን ሃፍትታትናን እዩ፤ ንካልኦት ዙሪያ ምላሽ ዘለዉ ድሑራት ፀላእቲ፤ ኣብ ጥብኒ ስርቅን ፅልኣትን ክኣትዉ ዝገበሮም:: ንዙይ እዩ “የትግራይ የበላይነት” ዝበሉናን ኩሎም ፀላእትና ተኣላሊሾም ኣንፃርና ዝተሰለፉን፤ ንዙ ዝቐንዑሉ ፀጋታት ሃፍትታትናን ክብርታትናን ከብርሱን ክሰርቁን ብመንነትና ከንበርክኹናን ዝተዋፈሩን:: ወለዶም እውን ንዙይ እከይ ጥብኒ ዘንቀሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ደጋጊሞም ኣብ ልዕሊ ወለድና ፈፂሞም እዮም!
ግና ኣበደን! ደቂ መን ኮይንና ክንበርስን ክንምብርከኽን! ንሕና ካብ ወለድና ኣይንንእስን፤ ንሳቶም እውን ካብ ወለዶም ኣይሐሹን! ከም ወለድና፤ ብፅንዓትናን ቃልስናን፤ ንኹሉ ሸርሒታት ፀላእትና በታቲኽና፤ ፈንፂሕና ብዓወት መሰስ እንብለሉ ግዘ ርሑቕ ኣይኮነን! ኣብ ቀረባ ፀሓይ ሃገረ ትግራይ ኣብ ዓለም ደሚቓ ክትበርቕ እያ! ኣብ መድረኽ ዓለም እቱ ዝዕቅነና ቦታ ክንዓትር ግቡእና እዩ!! #ካሳ_ሃይለማርያም